ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ምምሕዳሮም ቢልዮናት ዶላር ንኣፍሪቃ ከምዘወፍር ገሊጾም


ፕረ.ባይደን ምምሕዳሮም ቢልዮናት ዶላር ንኣፍሪቃ ከምዘወፍር ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:39 0:00

ፕረ.ባይደን ምምሕዳሮም ቢልዮናት ዶላር ንኣፍሪቃ ከምዘወፍር ገሊጾም

ፕረዚደንት ባይደን ቢልዮናት ዶላር ህዝባውን ውልቃውን ወፍሪ ኣፍሪቃ ንምምዋል ትልሚ ከምዘለዎም መራሕቲ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ንግድን እታ ኣህጉር የካይዱዎ ኣብዘለው ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኣሳልጦ ኣፍሪቃ ብርዝነት ከምዝርእይዎ ብምግላፅ እታ ክፍለ ኣህጉር ዝሓሸ መሰረት ክህልዋ ረዚን ትልሚ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ናይ ትማሊ ካልኣይ ማዕልቲ ዋዕላ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ዝጠመተሉ ሓደ ጉዳይ ሕድ ሕድ ሃገራት ኣፍሪካ ዝደልይኦ ጉዳይ ገንዘብ እዩ።ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ፭፭ ቢሊዮን ዶላር ንሃገራት ኣፍሪካ ንምሃብ ኣፍሊጦም ኣለው።ዝበዝሕ ናይቲ ገንዘብ ንፕሮጀክትታት ጥዕናን ኩነታት ለውጢ ኣየርን ዝውዕል እዩ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ እውን ባይደን ኣብታ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ እናዓበየት ትኸይድ ዘላ ክፍለ ዓለም ዕድላት ቁጠባዊ ዕብየት ንምክፋት ዝበሉዎ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሓዱሽ ዝተጣየሸ ኣህጉራዊ ናይ ኣፍሪካ ነፃ ንግዳዊ ዞባን ቁጠባዊ ምዕባለታት ዘሳልጡ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ስምምዓት ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ባይደን “ዺጊታል ጥራንስፎርማቲኦን ዊጥ ዓፍሪቻ’’ ‘’ዲጂታዊ ምስግጋር ምስ ኣፍሪካ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣስታት ፫፶ ሚሊዮን ዶላር ንምምዋል ምስ ኮንግረስ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊፆም።

ዓጭጥ#፪ ብዐጥርዐ

ናይ ፍሪካ ዲጂታዊ ሃዋህው ዘተኣማምንን ውሑስን ምዃኑ ንምርግጋፅ ኣገልግሎታት ድሕነት ሳይበር ንምሃብን ኣብ መንጎ ኩባኒያትት ኣፍሪካን ኣሜሪካን ምፍጣር ምሕዝነት ዘጠቓለለ እዩ።

ዐኝዽ ዓጭጥ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ቪኦኤ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ሃገራት ኣፍሪካ ብወራር ዩክሬይን ንሩሲያ ብምቅዋመንን ርክባተን ብምብታኽን ኣይትንከፍን ኢለን።

ዓጭጥ#፫ ምዒኝዒዓ

ንሩሲያ ክኹንና ንሃገራት ኣይንኸፍልን፤ድምፂ ኣይንህብን ንዝበላ ሃገራት ኣይነፈራርሕን ዘለና።ምሕፅንታ ኢና ነቕርበለን ዘለና።ክብርታቶም ከርእዩ ኢና ንምሕፀኖም ዘለና።ቅኑዕን ጌጋን ንኽፍለ ኢና ንምሕፀን ዘለና።

ዐኝዽ ዓጭጥ

ምስ ቪኦኤ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር ለሴቶ ከምኡ እውን ኣብታ ንእሽቶ ደቡባዊት ሃገረ ኣፍሪካ ዝሃፈተሙን ሳም ማተካን ሕጊ ምዕባለን ዕድላትን ኣፍሪካ ዓጝዖዓ ንዓሰርተ ዓመት ክናዋሕ ከምዝደልዩ ተዛሪቦም።

ዓጭጥ#፬ ብዐጥርዐ

ሎሚ ንጉሆ ብ ፳፪፭ ዘብቅዕ ዓጝዖዓ ንዓሰርተ ዓመት ክናዋሕ ምስ ኮንግረስ ተደራዲርና ኣለና።ናብኡ ዝወስደና መንገዲ ምልዛብ ጀሚርና ኣለና።ዓጝዖዓ ከም ሃገር ንዓና ኣዚዩ፣ ኣዚዩ፣ ኣዚዩ ኣገዳሲእዩ።

ዐኝዽ ዓጭጥ

ዓሰርርተታት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ነይሮም ናብ ዋሽንግተን መፂኦም ዝነበሩ።ሰበስልጣን ምምሕዳር ኣሜሪካ ነታ ክፍለ ኣህጉር ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ሎሚ እውን ከም ወትሩ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG