ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን መበራትዒ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ተኸቲቦም


ፕረ.ባይደን መበራትዒ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ተኸቲቦም
ፕረ.ባይደን መበራትዒ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ተኸቲቦም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሶኑይ መበራትዒ ክታበት ኮቪድ 19 ተኸቲቦም። ባይደን ነዚ ክታበት ዝተኸትቡ ምምሕዳሮም ንገለ ኣባላት ሕብረተሰብ መበራትዒ ክታበት ንክኽተቡ ድሕሪ ምጽዳቁ ድሕሪ መዓልታት'ዩ።

ባይደን ቅድሚ ምኽታቦም ንሪፖርተራት ኣብ ዋይት ሃውስ እዚ መሐይሊ ክታበት ኮቪድ ኣድላይ እዩ፣ ግን ዘይተኸትቡ ሰባት ነቶም ፈላሞት ዙራት ክታበት ክኽተቡ ምግባር ዝያዳ አገዳሲ'ዩ ኢሎም።

''መብዛሕት ም ኣሜሪካውያን እቲ ቅኑዕ ይገብሩ ለዉ። ልዕሊ 77% ብዉሑዱ ቀዳማይ ዙር ክታበት ተኸቲቦም ለዉ። 23% ግን ኣይተኸትቡን። እዞም ዉሑዳት ኸኣ'ዮም ጉድ ዝገብሩና ዘለዉ። ነዛ ሃገር ይጎድኡ'ለዉ። እዚ ለበዳ ናይ ዘይተኸትቡ'ዩ። ስላዚ ኸኣ'ዩ ምስ ክታበት ንቅድሚት ዝኸይድ ዘለኹ ''ኢሎም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን መበራትዒ ክታበት ዝወሰዱ ድሕሪ'ቲ ክልተ ዙራት ክታበት ምኽታቦም ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዩ።

ኣብ ሰኔት መራሒ ሪፑብሊካውያን ሚች መኮነል ነዚ መሐየሊ ክታበት ብሰኑይ ተኸቲቦም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG