ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ዝሃቦ ንድፊ ርእይቶ ነጺጎምዎ


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ ዝገበሮ ውሳነ ክድምስሶ ኸም ዝደሊ ዝሕብር ንድፊ ርእይቶ ነፂጎሞ ። እዚ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝግበር ምርጫ ቤት ምኽሪ መረፅቲ ንምልዕዓል ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ ተባሂሉ ።

ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝተዋህበ ውሳነ እኳ እንተዘየሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን ነዚ ንድፊ 'ቀያዲ' ክብሉ ፀዊዖሞ ።

"ድሕሪ 50 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ናይ ምምራፅ መሰል ከምዘይብላ ምውሳንና ኣዝዩ እዩ ዘተሓሳስበኒ፤ እዚ ማለት ንውልቀኻ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ውሳነ ኣብ ሕቶ ክኣቱ እዩ ማለት እዩ።"

ብመሰረት ጸብጻብ ፖለቲኮ ሸሊኹ ዝወፀ ዝተባህለ ንድፊ ርእይቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ነቲ ንምንጻል ጥንሲ ዳርጋ ን50 ዓመት ሕጋዊ ዝገበረ ውሳነ ሮይ ምስ ዌድ ብምሕዳግ ሓጋግቲ ክፍለ ግዝኣታት ክውስኑ ከፍቅደሎም እዩ።

ብዓልቲ ሞያ ሕጊ ፕሮፌሰር ጄሲካ ዋተርስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣመሪካ: "ከም ጓል ኣንስተይቲ ጥንሲ ኽትሰድድ እትደሊ እንተኾይና ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ እትነብሩሉ ቦታ እዩ ዝምርኮስ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ተግባር እንተውዒሉ ድማ ካብ 26 ክሳብ 28 ዝኾና ክፍለ ግዝኣታት ንምንጻል ጥንሲ ጠቅ፟ሊለን ንምኽልካል ድሉዋት ምዃነን ኢና ንግምት"ትብል።

ኣመሪካ ኣብ ዓለም ንምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝሃባ ወይውን ከም ገበን ካብ ዘይርእያ 65 ሃገራት ሓንቲ እያ ።

ተሓለቅ፟ቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምንፃል ጥንሲ ሓዊሱ ኣገልግሎት ስነ ተዋልዶ ምርካበን አብ ሕብረተሰብ ዝሕልወን ተሳትፎ ክውስኽ ዝገብር ወሳኒ ጉዳይ እዩ ይብሉ። ኣብ ሮይ ምስ ዋድ ዝግበር ለውጢ ንልዕሊ 36 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ክሃሲ ከምዝኽእል ፕረዚደንትን አካያዲት ስራሕን ፕላንድ ማዘርሁድ ሜትሮፖሊታን ዋሽንግተን ላውራ ሜየርስ ይዛረባ።

"እዚ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝሃስየን እዩ ። ሰብ-ሃብቲ ኣብ ዝደለየኦ ሰዓት ነፋሪት ተሰቂ፟ለን ናብ ዝደለየኦ ከይደን ፍታሕ ክረክባ ይኽእላ እየን።ነዚ ጨካን ውሳነ እዚ ዝስከማ ድካታት እየን።"

ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ሽፋን ንኸይረክብ ዓቃባውያን ንነዊሕ እዋን ሸቶኦም ገይሮም ክሰርሕሉ ፀኒሖም እዮም ። ይኹን እምበር መራሕቲ ሪፓብሊካን ፓርቲ ግን ነቲ ብልዑል ሚስጥራዊ መስርሕ ዝካየድ ምምይያጥ ኣካላት ፍትሒ ልሒኹ ክወፅእ ንዝገበሩ ይኹንኑ ኣለዉ።

መራሒ ውሑዳን ሴነት ሚች መካኖል "ሕጂ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ንናፅነት እቲ ቤት ፍርዲ ዘስግእ ካልእ ሰብ ኣሎ" ክብሉ ርእይቶም ሂቦም ኣለው።

ዜና እቲ ዝለሓኸ ርእይቶ ንኽልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ መፋርቅ፟ መረፅቲ ንምልዕዓል ዝጥቀሙሉ ኣጀንዳ ገይሮም ተዳልዮምሉ ኣለዉ ።

ኬሮላይን ስሚዝ ተቃ፟ዋሚት ምንፃል ጥንሲ ኢያ ። ዘይተወልደ ኮነ ዝተወልደ ህፃን ምቅ፟ታል ዘፍቅድ ሕጊ ክህሉ ኣይግባእን ክትብል ከላ ሶፊያ ዎልፍ ዝተባህለት ደጋፊት መሰል ምንፃል ጥንሲ ድማ ሮይ ምስ ዌድ ዝቅ፟የር እንተድኣ ኾይኑ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሞታ ይመስለኒ ትብል ።

ህዝባዊ ርእይቶታት መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ምንፃል ጥንሲ ኩለመዳይ ትሕዝትኡ ሕጋዊ ክኸውን ከምዝመርጹ የርእዩ።

XS
SM
MD
LG