ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ደገፎም ምሃቦም ገሊጾም


ፕረ.ባይደን ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ደገፎም ምሃቦም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

ፕረ.ባይደን ሃገራት ምዕራብ ን ዩክሬን ደገፎም ምሃቦም ገሊጾም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ሩስያ ንዩክሬን ዝወረረትሉ መበል ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ወቕቲ፣ ኣብ ፖላንድ ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም። ኣቐዲሞም ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ምብጻሕ ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ዘካየዱ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ተራኺቦም፣ ተወሳኺ ወትሃደራዊ ድጋፍ ከምዝዋሃብ ገሊጾም።

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ ሎሚ ኣብ ዋርሳው ፖላንድ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ባይደን “ብፍርሒን ጎበጣን እትመሓደር ዓለም” የላን ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ወሲኾም ንዩክሬን ዝዋሃብ ሓገዝ ከም ዝቕጽልን ደው ከም ዘይብልን ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ፑቲን፣ ነቲ “ፍሉይ ስርሒት” ኢሎም ዝጸውዕዎ፡ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጠንቂ ኲናት ዩክሬን ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን እየን ኢሎም። ፑቲን ኣብ መግለጺኦም፣ ጀማሪት እቲ ኲናት ዩክሬን’ያ፣ ሩስያ፣ ነቲ ወራር ደው ንምባል’ያ ኣብቲ ኲናት ኣትያ ይብሉ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልዶመይር ዘለንስኪ ብወገኖም "ነቲ ኲናት ንከብቅዕን ንምዕዋትን፣ ከምኡውን ንምሕያል ዩክሬንን ሎም ዘበን ንምዕዋትን" ዝካኣለሉ ዝበልዎ ኣገባብ ሓቢሮም።

ተንተንቲ ግና፣ ንርግጸኛነት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፣ ጊዚኡ ዘይሓለወ ክብሉ የጠንቅቑ።

XS
SM
MD
LG