ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደንን ፕረ.ፑቲን ኣብ ጀነቫ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ አካይዶም


ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲንን ዝለዓለ ትፅቢት ዝተገብረሉ ኣኼብኦም ኣብ ጀኔቫ ጀሚሮም። ዋና ከተማ ስዊዘርላንድ ዝኾነት ጀኔቫ ዝተመረፀትሉ ብታሪኽ ብፖለቲካዊ ገለልተኛነታ ስለ እትፍለጥ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ዕድል ንምትሕብባር ከምዝጥቀምሉ እንተሰሚርሎም'ውን ኣብ መንጎ ሞስኮን ዋሽንግተንን ዘሎ ወጥሪ ዝተመልኦ ርክባት እቲ ትፅቢት ትሕት ኣቢሎምዎ ኣለው።እቲ ዝርርብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣገደስቲ ስምምዕ ምብፃሕ ቅሬታቶም ከስምዑ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG