ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደንን ፕረ.ቺንን ብቴሌፎን ተዘራሪቦም


መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ብዛዕባ ቁጠባ:ጉዳይ ታይዋን ዝተፈጥረ ውጥረትን ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ) ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ኪርብይ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቦ ቃል ፕረዚደንት ባይደን፣ ምስ መራሒ ቻይና ዘሎ መስመር ርክብ ክፉት ኮይኑ ክቅጽል እዩ ድልየቶም ይብል።

ጆን ኪርብይ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝተፈጠረ ውጥረት፣ ቻይና ናብ ካልኦት ሃገራት ኣቅኒዓቶ ዘላ ጎባጢ ባህሪይ፣ ኣካል’ቲ ልዝብ ከምዝኾነ ጠቂሱ።

ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ልዝብ ዝካየድ ዘሎ፣ መደብ ዝተታሓዘሉ መገሻ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ኣብ ታይዋን ስዒቡ እዩ።

XS
SM
MD
LG