ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ሶማል ንጉዳይ ዝሞተት ሰላይት ዘጻርይ ኮሚተ መዚዞም


ፕረዚደንት ሶማል
ፕረዚደንት ሶማል

ፕረዚደንት ሶማል፣ ንጉዳይ ዝተሰወረት ሶማልያዊት ሰላይት ዘጻሪ ሓደ ኮሚቴ ኣቁሞም።

ሰላይት ሳይበር ሰክዩሪቲ ሶማል ኢክራን ታሂል ፈራሕ ብኣልሸባብ ተቀቲላ ዝብል መግለጺ ብክፍሊ ድሕነት ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፈርማጆ ከምዝተዋህበ ዝዝከር እዩ።

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረስ እቶም ፕረዚደንት "እቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ ኮሚቴ ኣናዳዪ ሓቂ ብመሪሕነት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሶማል ፣ ብምክትልነት ዓቃብ ሕጊ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት ዝሓዘ ምዃኑ ’ ኣፍሊጡ።

ቤተሰብ እታ ዝተሰወረት ሰላይት ግና ንመግለጺ እቶም ፕረዚደንት ተቃዊሞምዎ። ወላዲታ ወ/ሮ ቃሊ መሓመድ ጉሃድ ‘ሰራዊት’ታ ሃገር ንከጻርዮ ከምዝመርጻ’ ጠቂሰን።

XS
SM
MD
LG