ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይዳ’ለዋ


ሎሚ ሰሉስ ናብ ኬንያ ዝገሻ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ናይ ኬንያ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺበን፡ተዘራሪበን።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ኬንያ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብምርኻብ ዝተዘራረባሉ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ መለስ ኣለም ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ኩለ-መዳይያዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኬንያን ከምኡ እውን ሰላም፣ ምርግጋእን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቦም ኣለው።ዕዉት ዝብሃል ዑደት ኣካይደን ኣለዋ።ነዊሕ ዝፀንሐ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዝቕፅል ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክዓብይን ማሕበራውን ቁጠባውን ርክባት ብዝበለፀ ክሕይልን ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲኦም ኣለው።”

ኣምባሳደር ኣለም ብምቕፃል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ክልቲአን ዝሓሸ ምርግጋእ ዘለወን ስለዝኾና ብዛዕባ ቀፃሊ ኩነታት ፀጥታ ዘትዮም ኣለው ኢሎም ።

ፕረዚዳንት ሳህለወቅ ኣብ ኬንያ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ምዝርራበን እውን ተፈሊጡ’ሎ ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

ድሕሪ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ዘይምትግባሩን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ዘይምምላሱን እቲ ምኽንያት እንታይ`ዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG