ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሱዳን ድሕሪ ግጭት ሶርያ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ፈላማይ መራሒ ሃገር


ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ድሕሪ ግጭት ሶርያ ንፈለማ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ መራሒ ሃገር ብምኳን ብሰንበት ታሕሳስ 16 ናብ ዋና ከተማ ደማስቆ በጺሖም።

ፕረዚደንት ሶርያ ባሽር ኣል አሳድ ንፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ተቐቢሎሞም። ኣብ 2011 ኣብ ሶርያ ዝጀመረ ተቓውሞን ዝሰዓበ ግጭትን ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ምስ ፕረዚደንት በሽር ኣል አሳድ ዘለዎም ዝምድና ክጎስይዎ ጸኒሖም’ዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሶርያ ‘ሳና’ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ብምርኻብ ኣብ ዞባዊን ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያን ከምዝተዘራርቡ ሓቢሮም።

ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ዋላ’ዃ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሓ ገለ ሃገራት ዓረብ ንተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ ግጭት ሶርያ ኢድ እንተለዎም ሃገሮም “ዓረባዊ መንነታ” ሒዛ ክትቕጽል እያ ክብሉ ገሊጾም።

ፕረ. ሱዳን ድሕሪ ግጭት ሶርያ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ፈላማይ መራሒ ሃገር
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

ዓረብ ሊግ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ንዲሞክራሲ’ታ ሃገር ዝጠልቡ ተቓወምቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ አባላነት ሶርያ አወንዚፍዎ ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።

ብዝሒ ዘለወን ሃገራት ዓረብ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ኤምባሲኣን ዓጽየን ወይ’ውን ብውሑድ ዓቕሚ ሰብ ከካይድኦ ዝጸንሓ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምስ ሶርያ ዘሎ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስን አባላትነት ሶርያ ኣብ ዓረብ ሊግ ንምምላስን ዝብል ጻውዒት የቕርባ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መራኸቢ ብዙሃን ሃገራት ዓረብ ነዚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ናብ ሶርያ ስም ፕረዚደንት አሳድ ንምዕራይን ንመንግስቲ ሶርያ ናብ ፖለቲካ ሃገራት ዓረብ ምሕዋስ ዝተኻየደ ስትራቴጂ ሩስያ እዩ ይብሉ።

ብስዑዲ ትውነን ኣሸራቂላውሳት ዝተባህለ ጋዜጣ ብወገኑ ምብጻሕ ፕረዚደንት በሽር ኣብ ካይሮ ዝመሰረቱ ዓረብ ሊግ ንሶርያ ዳግም ናብቲ ሕብረት ንምምላስ ፍቓደኛ ምኻኑ ንምርኣይ እዩ ክብል ጽሒፉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG