ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ካብ መዝነት ምውራዶም ንመጀመርያ ጊዜ ተራእዮም


ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነት ድሕሪ ምውራዶም ትማሊ ሰንበት ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ ክኸዱ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪሕነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሓደ በዓል ስልጣን ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኣልበሽር ብብልሽውና፡ምጥፍፋእ ገንዘብን ምኽዕባት ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝብሉ ዝቐረበሎም ኽስታት ንምርመራ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምምጽኦም ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ እቲ ምርመራ ነቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ፕረዚደንት ዝተረኽበ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ’ውን ዝሓውስ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ንቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሃን ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ቁጠባዊን ቀውሲን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ተቓውሞ ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኣልበሽር ተቓወምቲ ብምቕታልን ምእሳር’ውን ይኽሰሱ። ብተወሳኺ ኣብ ዳርፉር ኣብ 2000 ዓ.ም ንዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክድለዩ ጸኒሖም’ዮም፡ ይኹን ደአ እምበር ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ንፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምክትል ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ተቓወምቲ ዝጠልብዎ ኣብ ሓጋጊ አካል መሰጋገሪ መንግስቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ክህልው ዝብል ቕቡል ከምዘይኾነ ሓቢሮም።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳያሎ ንደገፍቲ’ቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብሲቪላዊ መሪሕነት ዝምራሕ ሓጋጊ አካል ቕቡል ዘይኾነ ብምርጫ ዝተመርጸ ብዘይምዃኑ’ዩ ኢሎም።

እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ዝተበጽሓ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ግዝያዊ መንግስቲ ምምስራትን አባላት ካቢነ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓጋጊ አካል ድማ ዝበዝሓ ሲቪል አባላት ክኾኑ ዝብል ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ።

XS
SM
MD
LG