ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝርከቦም ጥርጡራት ገበን:ብቕልጡፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጻውዒት ቀሪቡ


 ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፋቱዋ ቤን ስዑዳ
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፋቱዋ ቤን ስዑዳ

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካልኦት ብገበን ኲናትን ጃምላዊ ህልቂት ዳርፉርን ተጠርጢሮም ዝድለዩ ዘለው ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ነበር ብቕልጡፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ከምዝግባእ ዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጸዊዓ።

ፋቱዋ ቤን ስዑዳ ዝተባህለት ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበት: "ታሪኻዊ" ንዝተባህለ ምብጻሕ ኣብ ካርቱም ርእሲ ከተማ ሱዳን ኣብ ተካይደሉ ዘላ ምዃኑ'ዩ። እቲ ኣብ ሕጊ ናይ ምቕራብ መስርሕ ክልተ ኣማራጺታት ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ቀዳማይ ኣብ ሱዳን ነዚ ጉዳይ ዝርኢ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ሱዳን ከምዝኸውን ምግባርን ወይ ድማ ዝተዛነቐ መድረኽ ፍርዲ ምምስራት ኣብ ዝብሉ ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ዝርርብ ከምዝተገብረሉ እታ ዋና ኣኽባር ሕጊ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

" ብዝገበርናዮ ግሉጽ: ቅኑዕ ከምኡውን ሃናጺ ርክብ ተተባቢዐ እየ። ብሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ካብ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንክሕግዙናን ክድግፉናን ዝተገልጸልና ድማ ሓንጎፋይ ኢለ ይቕበሎ " ክትብል ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፋቱዋ ቤን ስዑዳ ኣፍሊጣ።

ካብ 2003 ኣትሒዙ ዝዓረገ ጃምላዊ ህልቂት ዳርፉር: ልዕሊ 300 ሽሕ ሰብ ከምዝቐተለን: 2.5 ሚልዮንን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝመዛበሉ ከምዝገበረን እዩ ዝሕበር።

XS
SM
MD
LG