ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብዝቐረበሎም ክስታት ብልሽውና ን2 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም


ቤት ፍርዲ ሱዳን ብቐዳም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ብዝቐረበሎም ክስታት ብልሽውና ንክልተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ምውሳኑ ተገሊጹ። እዚ እቶም ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ካብ ዝእለዩ ንመጀመርያ ጊዜ ዝተካየደ መስርሕ ፍርዲ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንዕድመ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መአረሚ ማእከል ክከውን ምውሳኑ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል- በሽር ዝቐረበሎm ክስታት ዘይሕጋዊ መንገዲ ናይ ወጻኢ ሃገራ ባጤራ ብምውህላል ዝብል ኮይኑ ክሳብ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ከፍርድ ዝክእል’ዩ ኔሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ካብ መዝነቶም ኣብ ዝተአለይሉ ጊዜ ኣብ ገዝኦም ዝተረኽበ ናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራ ኾነ ናይ ሱዳን ገንዘብ ክውረስ ወሲኑ’ሎ።

እዚ መስርሕ ፍርዲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ብሕብረት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ሲቪል ምምሕዳርን ዝቖመ መሪሕነት ሱዳን ነቲ ታሪኽ ዑመር ኣልበሽር ንምቕያር ክሳብ ኣበይን ብማዕረ ክንደይ ፍጥነትን ንዝብል ብድሆ ዝፈተነ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብተወሳኺ ብክስታት ምጽናት ዓሌት፡ ናይ ኹናት ገበንን ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክእሰሩ ትእዛዝ ምውጽኡ ይዝከር።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዳኛ ኣል ሰዲቕ ዓብደልራህማን ነቲ ውሳነ ኣብ ዘንበብሉ እዋን ብስቕታ ይሰምዑ ምንባሮም ተገሊጹ።

ንፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክውርዱ ዘገደደ ተቓውሞ ዝመርሓ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ዝተቐበለ ክከውን ከሎ በሽርን መሪሕነቱን ዝግባእ “ፖለቲካዊን ሞራላዊን መንጸግቲ”ዝሃበ’ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ግን ሓደ ካብቲ ብዙሕ ዝተኸሰስሉ ገበናት ምዃኑ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG