ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ራማፎዛ ብሰንኪ ሕጽረት ጸዓት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዊጆም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሪል ራማፎዛ ትማሊ ሓሙስ 9 ለካቲት 2023 ንህላወ ቁጠባን ማሕበረሰብኣዊ ምትእስሳር ስግኣት ፈጢሩ ብምባል ብዛዕባ’ቲ ነታ ሃገር ዘልምስ ዘሎ ሕፅረት ፀዓት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጆም።

እቲ ሕፅረት ፀዓት ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ዝበፅሐ ንዓመታት ብዝፀንሐን ውጽኢት ምድንጓይ ህንፀት ሓድሽ ትካል ፀዓት ኣብ ውዕላት ቀረባት ከሰል ዘሎ ምጥፍፋእን ገበናትን ውዲታትን ናይ ውልቀ ትካላት ዝሕደሱ ምንጪ ፀዓት መታን ብቅልጡፍ ክቅርቡ መምሪሕታት ዘይምፍዃስን ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።

እቲ ቅልውላው ቀስ ብቀስ ንኹሉ መዳይ መነባብሮ ሕብረተሰብ ክትንክፍ ክኢሉ’ሎ። ፕረዚደንት ራማፎዛ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዘስምዕዎ ዓመታዊ መደረ ኹነት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ንኣሽቱ ትካላት ንግድን ትሕተ ቅርፂ ማይን መጉዓዝያን ንዘሎ ፅልዋ ንምፍዃስ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና ኢሎም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG