ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ማክሮን ኣብ ጉዳይ ወጥሪ ዩክሬን ምስ ፕረ.ፑቲን ይዘራረቡ


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ፅባሕ ሰሉስ ናብ ኪቭ ዩክሬይን ቅድሚ ምኻዶም ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምዝርራብ ሚ ሰኑይ ናብ ሞስኮ ከምዝተጉዓዙ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ናይ ጀርመን መራሒ ኦላፍ ሾልዝን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸብሉ "ናይ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተወሳኺ ወረራ ንምምካት ብዛዕባ ዝህልው ሓባራዊ ፃዕርታት’’ዘቲዮም።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን ትማሊ ሰንበት ንማዕኸናት ዜና ከምዝገለፁዎ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍፀም ወራር ‘’ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክፍፀም ይኽእል እዩ’’ ግን ‘’ሩሲያ ንእትወስዶ ዝኾነ ይኹን ስጉምት ኣመሪካ ቅርብቲ እያ’’ኢሎም።

ተንተንቲ ሩሲያ እንተወሪራ ክሳብ 50,000 ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይኽእሉ እዮም ይብሉ።

ምዕራባዊያን ሩሲያ ወታሃደራትን ኣፅዋራን ካብ ዶብ ዩክሬይን ክትስሕብ ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG