ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሙርሲ ዓሪፎም


ፕረዚደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሙርሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝዓረፉ መንግስታዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ፀብፂበን።

ሙርሲ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይስማዕ ኣብዘነበረሉ እዋን ሃለዋቶም ስሒቶም ከምዝወደቑን ህይወቶም ከምዝሓለፈን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ እስላማዊ ሕውነት ዝለዓሉ በዓል ስልጣን ዝነበሩ ሙርሲ ኣብ 2013 ኣንፃር ስርዓቶም ብዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ወታደራዊ ሓይሊ ናይታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣውሪዱዎም።ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ናይ ሓሶት ሰነድ ኣቕሪቦም ብዝብል ሸውዓተ ዓመት ተፈሪዱዎም ናይ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG