ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ጎንደ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ስጉምቲ ምምላስ ሰላምን ምትሕብባርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኢዶም ክብል መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልፍ ኮንደ ብቀዳም ናብ ከተማ ምጽዋዕ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም ኣብ ምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድና፡ ምምዕባል ዝምድና ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ መድረኽን ምሕያል ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ሻባይት ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ሻባይት ፕረዚደንት አልፍ ኮንደ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላም ብምንኣድ ኣብነታዊ ትበግሶ ንሰላምን ምርግጋእ እቲ ዞባ ዓብይ ኣበርክቶ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG