ዋሽንግተን —
ጆ ባይደን፣ መበል 46 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብምዃን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቃለ መሓላ ፈጺሞም። ካሚላ ሃሪስ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እታ ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ምክትል ፕረዚደንት ኮይነን ቃለ መሓላ ፈጺመን።
ኣብ’ቲ ሎሚ ኣብ 'ናሽናል ሞል' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስፍራ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ፣ ከምንቡር መዓልቲ ቃለ መሓላ ይእከብ ዝነበረ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣይተረኸበን። ኣብ ክንድኡ፣ ኣስታት 200 ሽሕ ባንዴራታት ኣሜሪካ ነቲ ስነ ስርዓት ንምድማቅ ከንበልብሉ ውዒሎም።