ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበረት ፕረዚደንት ነበር ምሕረት ሂቡ


ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ፓርክ ጊዩን ሂ
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ፓርክ ጊዩን ሂ

ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ብዝተከኣ ፕረዚደንት ይቕረ ተባሂሉ`ላ።

ኣብ 2016 ን 2017 ነታ ሃገር ኣብ ዘናወጸ ብልሽውና ኢድ ኣለኪ ተባሂላ ካብ ስልጣና ወሪዳን ተኣሲራን ዝጸንሐት ፓርክ ጊዩን ሂ ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ሓድነት ብይቕረ ክትፍታሕ ምውሳኑ ሚንስትሪ ፍትሒ`ታ ሃገር ኣፍሊጡ`ሎ።

ናይ 22 ዓመት ማእሰርቲ ክተሕልፍ ዝጸንሐት ጓል 69 ዓመት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ነበር ፓርክ፡ ብምኽንያት ጥዕናዊ ጸገማት ዝበዝሕ ናይ ማእሰርቲ ግዚኣ ናብ ሆስፒታል ክትመላለስ ከምዝሕለፈቶ`ዩ ዝንገር።

ምፍታሕ ፓርክ ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኮርያ ፖለቲካዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ`ውን ትጽቢት ይግበር`ዩ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ ንሳ ዝገደፈቶ ታሪኽ በሊሕ ፍልልይ`ዩ ዘሎ። ንሳ ጓሉ ነቲ ኣብ 1979 ዝተቐንጸለን ንደቡብ ኮርያ ንነዊሕ ብምልኪ ዝመርሐን ፓርክ ቹንግ ሂ`ያ።

እዛ ቀዳመይትን እንኮን ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ድሕሪ ሰፊሕ ተቓውሞታት ኣብ 2016`ያ ካብ ስልጣን ወርዳ፡ ድሕሪኡ ድሕሪ ዓመት ድማ ተአሲራ።

XS
SM
MD
LG