ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ምሕረት ተገይሩሎም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ደቡብ-ኮርያ ነበር ሊ ምዩንግ-ባክ (Lee Myung-bak) ናይ 17 ዓመት ማእሰርቶም ሎሚ ምሕረት ከም ዝተገብሮም ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ሊ፡ ብ16 ገበናት ብልሽውና ተኸሲሶም ጥፍኣተኛ ኰይኖም ስለ ዝተረኸቡ ናይ 17 ዓመት ማእሰርቲ’ዩ ተበዪኑሎም ነይሩ። እቶም ፕረዚደንት ነበር፡ ምስቶም ፕረዚደንታዊ ምሕረት ዝተገብረሎም 1,300 ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም።

ኣብ ኣኼባ ካቢነ ነዚ ፕረዚደንታዊ ምሕረት ዝኣወጁ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-የዎል (Yoo Suk-yeol)፡ “እቲ ውሳነ ካብ ሰፊሕ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ምክእኣልን ይቕረ ምባል ዝነቅል’ዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ኣቐዲሞም ዋና ኣካይዲ ስራሕ ዝነበሩ ፕረዚደትን ሊ፡ ኣብ እዋን ስልጣኖም ካብ በበይነን ትካላት ሚልዮናት ዶላር ጉቦ ከም ዝተቐበሉን ሰፊሕ ምጥፍፋእ ከም ዘርኣዩን ይንገር። እቶም ፕረዚደንት ነበር ንደቡብ ኮርያ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ዝመርሑ ኰይኖም፡ ኣብ 2020 ድማ ን17 ዓመታት ዝጸንዕ ፍርዲ ማእሰርቲ ተበዪኑሎም።

XS
SM
MD
LG