ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዩክሬን ድሕሪ ሕጂ ኣባል ኔቶ ንምዃን ከም ዘይጸቕጠሉ ገሊጹ


ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ - ፋይል
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ - ፋይል

ፕረዚደንት ዩክሬን ድሕሪ ሕጂ ኣባል ኔቶ ንምዃን ኣይክጸቕጠሉን`የ ኢሉ።

ብመሰረት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ዩክሬን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንኽትከውን ኣይክደፍእን`የ ክብል ምስ ሩስያ ናይ ምስምማዕ ምልክት ሂቡ`ሎ።

እቲ ጉዳይ ኣባልነት ኔቶ፡ ካብ መንጎ ሩስያ ንደጋፊት ምዕራብ ዝኾነት ጎረቤታ ዩክሬን ንምውራር ዘቕረበቶ ምኽንያት ምንባሩ ይፍለጥ`ዩ።

ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ካልእ ናይ ምስምማዕ ምልክት ድማ፡ ብዛዕባ ክልተ ክፍለያ ዝደልያ ደገፍቲ ሩስያ ዝኾና ግዝኣታት ዩክሬን`ውን ንምልዛብ ክፉት`የ ኢሉ`ሎ። እተን ግዝኣታት ቅድሚ ፑቲን ወራር ምጅማሩ ከም ናጻ ርእሰን ዝኸኣላ ኣፍልጦ ምሃቡ ይዝከር።

ዘሊንስኪ ምስ ኤይ.ቢ.ሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኔቶ ንዩክሬን ክቕበል ቅሩብ ኣይነበረን፡ ምስ ሩስያ ከይራጸም ፈሪሑ ዝጸንሐ ኪዳን`ዩ ኢልዎ።

ዘለንስኪ " ናይ ሓንቲ ተንበርኪኻ ትልምን ሃገር ፕረዚደንት ክኸውን ኣይደልን`የ" ኢሉ።

ሩስያ፡ ምስፋሕ ኔቶ ንህላዌኣ ከም ስግኣት ስለትርእዮ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ኮይና ክትርኢ ከምዘይትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓ`ያ።

XS
SM
MD
LG