ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኬንያ ንናይ ስራሕ ዑደት ኢትዮጵያ ኣትዩ


ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንክልተኣዊ ጸጥታዊን ካልእ ንግዳዊን ዝርርባት ንምክያድ ሎሚ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ድማ ተቐቢሎሞ።

ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳይ ቍጠባዊ ሽርክነት ክልተ ሃገራትን ካልእ ጉዳያትን ዘትዮም። “ዝምድና ክልተ ሃገራት ንጸጥታዊ ርግኣት እቲ ዞባ ኣመና ወሳኒ’ዩ፡” ዝበለ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ሃገሩ ንግዳዊ ልውውጥ ክልተ ሃገራት ንምሕያል፡ ኢትዮጵያ ወደብ ላሙ ክትጥቀም ከም እትኽእለሉ መገዲ ከም ዝተዛረረቡ’ውን ተመልኪቱ ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ንምስፋሕ መርበብ ቴለፎን ሳፋርኮም ናብ ኢትዮጵያ ንምእታዉ’ውን ምዝርራቦም ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ኬንያ ኣብ ሽምግልና ግጭት ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ትጻወት ምህላዋ ይፍለጥ። ናይ ቅድም ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘተ-ሰላም ፈደራል መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ መሪሕነት ክልል ትግራይን ክሽምግል ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተሓርዩ ኣሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ተበጋጊሱ ዘሎ ሓድሽ ዘተ-ሰላም ምዝርራቦም ግን ዛጊት ኣይተመልከተን።

XS
SM
MD
LG