ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ሙዋይ ኪባኪ ዓሪፎም


ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ሙዋይ ኪባኪ
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ሙዋይ ኪባኪ

ካብ 2002 ክሳብ 2013 ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበሩ ሙዋይ ኪባኪ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።ንሶም ሳልሳይ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ዝነበሩ'ዮም።

ናይቶም ፕረዚደንት ነበር ሞት ዝኣወጁ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታ: ሙዋይ ኪባኪ ሓርበኛን ህዝባዊ ሓላፍነቶም ንመፃኢ ወለዶታት ዘነቃቕሕን እዮም ኢሎምዎ።

ኪባኪ ኣንፃር ኬኒያታ ብምውድዳር ንኣርብዓ ዓመታት ዝነበረ ዓብላልነት ሓደ ፓርቲ ከብቅዕ ዝገበሩ'ውን ነይሮም።ንሶም ብልሽውና ንምቅላስን ቁጠባ ኬንያ ንምስግጋርን መፅብዓ ሒዞም'ዮም ነይሮም ናብ ስልጣን ዝመፁ።

ኪባኪ ቁጠባዊ ምምሕያሽ እንተምፅኡ'ውን ብልሽውና ግን ቀፂሉ ይርከብ።

ኪባኪ ድሕሪ ክልተ ናይ ስልጣን ዘመን ኣብ 2013 ንዝተመረፁ ፕረዚደንት ኬኒያታ ስልጣን ኣረኪቦም ካብ ፖለቲካ ጡረታ ወፂኦም።

XS
SM
MD
LG