ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ክግበር ይጽውዑ


ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁር ኬንያታ
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁር ኬንያታ

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁር ኬንያታ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካይደ ዘሎ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።

ድሕሪ ርክብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኬንያታ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቡዎ ሓጺር ጋዜጣዊ ቃል፡ ነቲ ግጭት ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ድሕሪ ምባል፡ እቲ እንኮ መዕረፊ ዘተ ምዃኑ ተዛሪቦም። ኬንያታ ካብቲ ንላዕለዎት መሪሕነት ዘሳተፈ ዘተ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላምን ተሳታፍነትን ክመርሑ’ዮም ናብ ባይቶ ጸጥታ ተጓዒዞም።

ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ’ውን ስለ እትዳወብ ኣብቲ ግጭት ዘለዎም ቅርበት ዝገለጹ ኬንያታ፡ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ደው ከብሉን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱን ጸዊዕም።

ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘይቀዋሚ መንበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝበቕዐት ክትከውን እንከላ፡ ኣብቲ ወርሓዊ ዝዘውር መሪሕነት ሃገራት’ውን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ፕረዚደንት እቲ ባይቶ ኰይና ኣላ።

XS
SM
MD
LG