ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣንጎላ ጅዋል ሎሬንኮ ተዓዋቲ ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ኮይኖም


ፕረዚደንት ኣንጎላ ጅዋል ሎሬንኮ -ፋይል
ፕረዚደንት ኣንጎላ ጅዋል ሎሬንኮ -ፋይል

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኣንጎላ ንመራሒ ሰልፊ ህዝባዊ ማክሲስት ምንቅስቃስ ንናጽነት ኣንጎላ (MPLA) ጅዋል ሎሬንኮ ተዓዋቲ ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ምዃኖም ኣዊጁ።እቲ ዓወት ንገዛኢ ፓርቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ንፕረዚደንት ጅዋል ሎሬንኮ ድማ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ዝህብ'ዩ።

ኮሚሽን ምርጫ ድሕሪ ምቁፃር ምሉእ ድምፂ ሰልፊ ህዝባዊ ማክሲስት ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ኣንጎላ 51.17% ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ ኣሎ ይብል ።ናይ ነዊሕ እዋን ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ዩኒታ 43.95% ድምፂ ረኺቡ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ዝተመዝገቡ መረፅቲ ትሕቲ ፍርቂ ድምፆም ምሃቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

መራሒ ዩኒታ ኣዳቤርቶ ኮስታ ጁኒየር ኣብ መንጎ ኮሚሽን ምርጫን ውድቦምን ዘካየዱዎ ቆፀራ ድምፂ ኣፈላላይ ስለዘሎ ኣይንቕበሎምን ኢሉ ኣሎ።ነቲ እወጃ ዓወት ክቐበሎ እንተኾይኑ ግን ሽዑ ንሽዑ ርእይቶ ኣይሃበን።

ተንተንቲ ዝኾነ ይኹን ምስሕሓብ ናይ ጎደናታት ህዝባዊ ተቓውሞ ብምልዓል ህውከት ክበግስ ይኽእል እዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG