ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣንጎላ መዝነቱ ክቕጽል'ዩ


ገዛኢ ፓርቲ ኣንጎላ ንካልእ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ዘመኑ ክናውሕ እዩ፤እዚ እውን ብድምር ን52 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ እዩ።

ኣባል ምንቅስቓስ ንሓርነት ህዝቢ ኣንጎላ ዝኾኑ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ጆኣኦ ላውረንሶ ዛጊት ካብ ዝተቖፀረ ልዕሊ 97 ሚእታዊት ድምፂ ዝበዝሓ ብምርካብ ንካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ተዓዊቶም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ምርጫ ሉቃስ ቍሎንዶ ካብ ዝተቖፀረ ድምፂ ብድምር 51.7 ወይ 124 መናብር ፓርላማ ረኺቡ ኣሎ።ዩኒታ ድማ ድማ 90 መናብር ከዕውቶ ዝኽእል 44% ድምፂ ረኺቡ ኢሉ ኣሎ።

ቀንዲ ተወዳዳሪ ሎውረንሶ ዝኾኑን መራሒ ሃገራዊ ሕብረት ንሓርነት ኣንጎላን ዩኒታ ኣዳልበርቶ ኮስታ ጁኒየር ብመሰረት ዝተኣከበ መረዳእታ ተዓዊትና ክንኸውን ንኽእል ኢና ግን ኮሚሽን ምርጫ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰረትን ሕጊ ምርጫን ውፅኢት ምውፅኡ ኣሰንቢዱና እዩ ኢሎም።

እቲ ውፅኢት እንተድኣ ፀኒዑ ማርኪሽት ነበር ሎውረንሶ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝነበሮም ድምፂ ዝወሓደ ወይ 61% ድምፂ እዮም ዝረኽቡ ዘለው:ኤምፒኤልኤ ኣብ ፓርላማ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ናይ ክልተ ሲሶ ዓብላልነት ብምስኣኑ ንፈለማ ግዜ ምስ ተቓወምቲ ፓርቲ ኣባላት ፓርላማ ብምትሕብባር ካብ ምስራሕ ካልእ መማረፂ አማራጺ ኣይክህልዎን'ዩ።

XS
SM
MD
LG