ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣልበሽር ሓድሽ ቀ/ሚ ሸይሞም፡ ዜጋታት ድማ ኣንጻር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽሉ


ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ትማሊ ሰንበት ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ሸይሞም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ስልፊ ቀጺሎሞ ኣለው።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ መላእ’ታ ሃገር ብዓርቢ ምእዋጆን’ውን ይፍለጥ።

ድሕሪ ኣብ 1989 ዝተኻየደ ዕልዋ ናብ መዝነቶም ዝመጹ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንካቢነን ዞባዊ ምምሕዳር’ታ ሃገር ብምቅያር ንጠንቂ ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተራእየ ተቓውሞ ዝኾነ ቅልውላው ቁጠባ መፍትሒ ከምዘናድዩ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ንኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ጀዚራ ዝነበሩ መሃመድ ጣህር ኢላ ቀዳማይ ሚንስትር ጌሮም ሸይሞም።ሚንስትር ምክልካል ዝነበሩ ጀነራል ዓዋድ ኢብኖፍ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ጌሮም መዚዞም ኣለው።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ትማሊ ሰንበት 19 ወታሃደራዊ ኣዘዝትን ክልተ አባላት ስለያን ጸጥታን’ታ ሃገር ኣመሓደርቲ 18 ክፍለ ግዝኣታት’ታ ሃገር ጌሮም ሸይሞም።

ብተወሳኺ ሓድሽ ዝተዋቐረ ካቢነ’ታ ሃገር ኣብ ቀረባ መዓልታት ወግዓዊ ከምዝግበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደሽቲ ዝተመዘዙ ሰበ ስልጣን ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ኣብ ኡምዱርማንን ካርቱምን ነቲ ኣብታ ሃገር ብዓርቢ ንዝተአዋጀ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምቕዋም ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG