ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ይፍጽም ኣሎ


ትማሊ ምስ ወራሲ ዘውዲ ልዑል አቡዳቢን ምኽትል ኣዛዚ ሓይልታት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሃመድ ቢል ዛይድ ኣል ናሒያን ከምዝተራኸበ ምንጪታት ኣስመራን አቡዳቢን ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስን ሸኽ መሓመድን ኣብ ወፍሪ፡ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ንክልቲኣን ሃገራት ዘገድስ ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝተዘራረቡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራን ኣፍሊጡ’ሎ።

ሸኽ መሓመድ ኣብቲ ርክብ ነቲ ኣብ ጅዳ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምጓሱን ተጠቒሱ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ምክትል ቀ/ሚ ኢማራት ዓረብ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድን ምስ ኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ምርኻቡ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዝሓለፈ ሰሙን መስከረም 16 ብናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ኣብ ዝተታአናገደ ዋዕላ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ከምዝተረፈራረማ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG