ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ አዲስ አበባ ኣትዮም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ብዝገብረሎም ዕድመ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም።


ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝዘራረቡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረአብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ አዲስ አበባ ምኳዶም ተገሊጹ'ሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ዝርከብ ማእከል መዓዘቢ ሳተላይትን ንፓርክ ሓድነትን ምብጽሖም ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG