ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሰያስን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑድ ዓረብን ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጦም


ርክብ ፕረዚደንት ኢሰያስን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑድ ዓረብን
ርክብ ፕረዚደንት ኢሰያስን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑድ ዓረብን

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሶኑይ ሓምለ 23 ምስ ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ተራኺቦም ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጦም።



ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብቲዊተር ካብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ንጉስ ሳልማን ሎሚ ንግሆ ናብ ስዑዲ ምኻዶምን ዕላማ ዑደቶም ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ንምትሕብባር ንምዝታይ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።


ንጉስ ሳልማን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኣን ዝጸንሐን ግጭት ንኸብቅዕን ሰላም ክሰፍንን ዝወሰድኦ ስጉምታት ምምጓሶምን ዝምድና ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ናይ ጸጥታ፡ንግዲን ወፍሪን ርክብ ተወሳኺ ክሰፍሕ ድሌት ሃገሮም ምዃኑ ምግላጾም እቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ አቶ የማነ ገብረመስቀል ከምኡ'ውን መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG