ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሓሪ ከምዘይሞቱን ንዕኦም ብዝመስል ካልእ ሰብ ከምዘይተተኽኡን ይገልጹ


ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሓሪ ከምዘይሞቱን ንዕኦም ብዝመስል ካልእ ሰብ ከምዘይተተኽኡን ይገልጹ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሓሩ ትማሊ ሰንበት ምስ ኣብ ፖላንድ ዝነብሩ ናይጀርያዊያን ኣብ ዝተራከብሉ እዋን ነቲ ከምዝሞቱን ብካልእ ንዕኦም ዝመስል ሰብ ከምዝተተክኡ ዝገልጽ ወረ ሓሶት ምዃኑ ገሊጾም።

“ ኣነ ምኳነይ የረጋግጸልኹም ኣለኹ። ኣብ ቀረባ መበል 76 ዓመት ልደተይ ከኽብር እየ። ሓይል ኮይነ ድማ ክቅጽል እየ” ክብሉ ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ቡሓሪ ሞይቶም እዮም ዝብል ሓበሬታ ዝጀመረ ኣብ ዓመተ 2017 ዝበዝሓ ጊዚኦም ዓይነት ሕማሞም ከይተገልጸ ኣብ ህክምና ከተማ ለንደን ብምጽንሖም እዩ።

ንሶም ብተወሳኺ ብዛዕብኦም ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሰባት “ዝንቡዓትን” "ዘይሃማኖታዊያን” እዮም ክብሉ ገሊጾሞም።

XS
SM
MD
LG