ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሓሪ ምስ ፕረ. ትራምፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ናይ ናይጀሪያ ፕረዚደን ሙሓማዱ ቡሓሪ ምስ ናይ ኣሜርካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም።ንሶም ኣብ ዋይትሃውስ ምስ ፕረ.ትራምፕ ዝተራኸቡ ፈላማይ መራሒ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ኮይኖም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብታ ብበዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝኾነት ሃገር ዘሎ ስግኣት ግብረሽበራን ዕብየት ቁጠባን ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር።ብዝሒ ህዝቢ ናይጀሪያ ናብ 200 ሚሊዮን ተፀጊዑ’ሎ።

ናይጀሪያ እስላማዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዓሊሙ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ጎነፅ ብዝጀመረ ጥሩፍ ጉጅለ ግብረሽበራ ቦኮ ሓራም ትህወኽ ዝፀንሐት ሃገር እያ።ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣዋልድ ተማሃሮ ድማ ተጨውየን እየን።

XS
SM
MD
LG