ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደባይ ሞይቶም


ልዕሊ 30 ዓመታት ንቻድ ዝመርሑ ፕረዚደንት እድሪስ ዴብይ፣ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ይፋለሙ ዘለው ሰራዊት አብ ዝበጽሕሉ እዋን ተቀቲሎም። መንግስታዊ ወሃቢ ቃል ቻድ ኣገባብ ኣቀታትለኦም ግና ንጹር ኣይኮነን ይብል ።

ናይ’ታ ሃገር ጊዚያዊ ወታሃደራዊ መሪሕነት፣ ን37 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ’ቶም ዝተቀትሉ ፕረዚደንት ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ኢድሪስ ኢትኖ፣ ንወላዲኡ ተኪኡ ነቲ ነታ ሃገር ክመርሕ ዝተመስረት ቤት ምኽሪ ክመርሕ ተመዚዙ'ሎ።

68 ዓመት ዝዕድሚኦም ዴብይ፣ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ብዕልዋ ናብ መሪሕነት ምምጽኦም ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ዴብይ ቕድሚ ገለ መዓልታት ንመበል ሻድሻይ ጊዜ ነታ ሃገር ክመርሑ ምምራጾም ይፍለጥ።

Recommended

XS
SM
MD
LG