ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ንሳልሳይ ናይ መዝነት ጊዜ ይጅምሩ


መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ - ፋይል
መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ - ፋይል

መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ስልጣን፡ ብዋኒኑ ሓደ ጉጅለ ላዕለዎት መራሕቲ ብምምራጹ ሕጂ`ውን ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ዘርኢ ምዃኑ ንገለ ኣጉህዩ`ሎ፡ንካልኦት ድማ ኣሓጉሱ`ሎ።

“ብዙሓት ኣነ ዝፈልጦም ብርግጽ ኣይፈትዎን`ዮም” ኢላ ነባሪት በይጂንግ፡ ሊያ ተባሂላ ክትጽዋዕ ጥራይ ዝመረጸት ውልቀሰብ: ንሳ “ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ደሞዝ እንተወሰኸ `ኳ፡ ዝቕባበ`ውን ብእኡ መጠን`ዩ ወሲኹ። ኩሉ ነገር ከቢሩ`ዩ፡ ካብቲ መራሒ ብዙሕ ረብሓ ኣይረኣናሉን” ትብል። ቻይና ንዝቕጽል ዝ ዓመታት ዕጽዋ ለበዳ ኮቪድ19 ምቕጻላ`ውን ሊያ ኣይትድግፎን፡ እቲ ለበዳ ሕጂ ከቢድ ኣይኮነን ዘሎ፡ ካልኦት ሃገራት`ውን ከፊተን`የን ትብል።

ገለ ዜጋታት ግን ሺ ዢንፒንግን ሓዲሽ ጉጅልኡን ነቲ ዝጸንሐ ጸገማት ቻይና ክፈትሕዎ ከምዝኽእሉ ንተኣማመን ኢና ፡ እቲ ጸገም ድማ ካብቲ ብናህሪ ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ'ታ ሃገር ዝመጸ`ዩ ይብሉ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ቤት ንግዲ ዘለዎ ነባሪ ፉጂ ዝኾነ ሹ ሸንጊ፡ ምስ`ቲ ሺ ዢንግፒንግ ሒዝዎ ዘሎ ንስርዓት ግብሪ ብምምሕያሽ ሓባራዊ ብልጽግና ንምህናጽ ዝሃቀነ መደብ እሰማማዕ እየ ይብል። ድኻታት ዝሓሸ ዝነብርሉን ዝሓሸ ዝበልዕሉን ርትዓዊ መደብ ክኸውን`ዩ ዝብል ሹ ሸንግ፡ ሺ ዢንግፒንግ ስርሑ ብጽቡቕ ክሳብ ዘሰላሰለ ንሳልሳይ ግዚኡ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ`ውን እንተኣገልገለ ጸገም ኣይኮነን ኢሉ። ካብ ናቱ ኮሚንስታዊ ፓርቲ ጥራሕ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ምምራጹ`ውን ኣየጨነቖን፡ ነገራት ንምዕዋት ውህደት ምስ ዝህልወካ `ዩ፡ ዝብል መጎተ`ውን የቕርብ።

ካልኦት ከኣ ብዛዕባ ሺ ርግጸኛታት ኣይኮኑን። ሽማ ክትገልጽ ዘይደለየት ሰበይቲ፡ ኣብ 2018 ፕረዚደንት ሺ ዢንግፒንግ ምትእምማን ኔሩኒ`ዩ፡ ድሕሪኡ ግን ንኣተሓሕዛ ለበዳ ኮቪድ19 ብዝምልከት እምነተይ ኣጥፊአ`የ ትብል።

“ብዙሓት ቦታታት ብዘይ ቅድመ-ሓበረታ ተዓጽዮም፡ ሓደ ብጻየይ`ኳ ብጥምየት ዳርጋ ሞይቱ ኔሩ`ዩ፡ መግቢ ክገዝእ` ኳ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ኣይከኣለን፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ዕጽዋ ሰብኣውነት ኣይነበሮን” ትብል።

እቲ ዜሮ፡ ተጻዋርነት ኮቪድ19 ዝብል ፖሊሲ ቻይና ብዙሕ ነቔፈታ ኣስዒቡ`ዩ። መንግስቲ ግን ሚልዮናት ኣድሒነሉ`የ ዝብል መጎተ የቕርብ።

ብኻልእ ወገን ገሊኦም ቻይናውያን፡ ሃገሮም ናብቲ ኣብ 60`ታት 70`ታት ዝነበረቶ ምዕፋን ብነጻነት ምዝራብ ትምለስ ከይትህሉ ይሰግኡ።እታ ሽማ ክትገልጽ ዘይደለየት ሰበይቲ "ኣብቲ ዊ፡ቻት ዝብል ኣፕ ብዙሕ ነዕልል ኔርና ኢና ፡ሕጂ ግን ተክኖሎጂ ነዚ ከምኡ ዝበለ ናይ ብሕቲ ዝርርብ`ውን ከይጸናጸን ንሰግእ ኢና" ትብል ።

ካልኦት ድማ መንግስቲ ነቲ ቪ፡ፒ፡ኤን ዝብሃል ውልቃዊ መርበብ ሓበረታ ርሕቐት ይዓጽዎ`ሎ ዝብል መረረት የስምዑ። እቲ ኮሚንስታዊ ፓርቲ ቻይና፡ ጽልዋታት ምዕራባውያን ከተኣናግድ ፍቃደኛ ከምዘይምዃኑ`ዩ ይግለጽ።

ናይ ብሕቲ ኩባንያታት `ቱቱሪያል` ማለት መመላእታ ትምህርቲ`ውን እቲ ትምህርቲ ንደቂ ሃብታማት ቆልዑ ዕድል ዝህብ ንደቂ ድኻታት ግን ዕድል ዝኸልእ`ዩ ብዝብል ፖሊሲ ኣብ ትሕቲ ሺ ዢንግፒንግ ተዓጽየን`የን። ።

ብተወሳኺ ድማ ሺ ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ገንዘብ ወሲዱ ነቲ ሕብረተሰብ ማዕረ ክገብሮ ክፍትን`ዩ ዝብል ስኽፍታ`ውን ኣሎ። ብዙሓት ምሁራት ቁጠባ ድማ ነቲ ዝኣረገ ስርዓት ቀረጽ ከመሓይሾ ክፍትን`ዩ ይብሉ።

እቲ መራሒ ቻይና፡ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ንሰሙን ዝተኻየደ ጉባኤ ክኸፍት ከሎ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ሶሻሊስታዊ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ክሃንጽ ከምዝደልን፡ ምኽፋል ግብሪ ዝጻወቶ ተራ ብምዕባይ ምምርቓሕ ሃብቲ ኣገዳሲ ምዃኑን ተዛሪቡ። `ገንዝበ ምምላኽ` ዝብል`ውን ነቒፉ። “ሕጋዊ ኣታዊ ክንሕልዎ ኢና፡ መጠኑ ዝሓለፈ ኣታዊ ክነመዓራርዮ ኢና፡ ዘይሕጋዊ ኣታዊ ድማ ክንእግዶ ኢና ኢሉ።

ነጋዳይ ሹ ግን እቲ ቀደም ዝነበረ ካብ ሃብታም ምውራስ ዝብል ኣሰራርሓ ዳግም ክመጽእ ኢሉ ከምዘይኣምን ብምሕባር፡ እንተኾነ ሓደ ሃብታም ነጋዳይ ንዘይቅመጠሉ 10 ኣባይቲ ገዚኡ ንኻልኦት መንበሪ ገዛ ክኸልእ ኣይግቡእን`ዩ ይብል። እዚ ሹ ሺንግ ዝተባህለ ነጋዳይ ቻይና ከምታ ውሑዳት ሃብታማት ጥራሕ ንምሉእ ሃብቲ ዝቆጻጸርሉን ዋጋ ገዛ ሰባት ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነላን ሆንግ ኮንግ ክትከውን የብላን፡ ይብል ።

ሊያ ግን ፡ እቲ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ንቻይና ክመርሕ ዝዳሎ ዘሎ ሺ ዢንግፒንግ፡ ንኹሉ ሕብረተሰብ ቻይና እንተላይ ነቶም ሚልዮናት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝፈለሱ ሰራሕተኛታት ማዕርነት ዘለዎ ሃዋህው ክፈጥረሎም ተስፋ ትገብር።

XS
SM
MD
LG