ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ጂንፒንግ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ጂንፒንግ
ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ጂንፒንግ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲምር ፑቲንን ናይ ቻይና መራሒ ቺ ጂንፒንግን ቅድሚ ምኽፋት ስነስርዓት ኦሎምፒክ ቤጂንግ 2022 ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም። ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምስ ኣመሪካ ርክባት ይሕርፍፍ ኣብዘለሉ እዋን ምክያዱ መርኣያ ሓድነት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን ናይ ቻይናን ሩሲያን ርክባት "ብሓቂ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ መልክዕ’’ ሒዙ ኣሎ ክብሉ ንኢዶም።

ንሶም ክልትኣዊ ርክባትና ብፅቡቕ ምሕዝነታዊ መንፈስን ስትራተጂያ ሽርክናን ገስጋሳይ ምዕባለ የርኢ ኣሎ ኢሎም ።ፑቲን ኣብ ዓመት 10 ቢሊዮን ኩቢክ ሜትር ጋዝ ካብ ሩሲያ ናብ ቻይና ንምልኣኽ ሓዱሽ ውዕል ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።ኣብቲ ምብፃሕ ክልቲኦም መራሕቲ ልዕሊ 15 ስምምዓት ክፈራርሙ እዮም።

ኣብ 2021 ክልቲኦም ወገናት ክብረ ወሰን ዝሰበረ ናይ 146 ቢሊዮን ዶላር ናይ ንግዲ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለው።ፕረዚደንት ፑቲን እቲ ንግዳዊ ርክብ ኣብ ቀረባ 200 ቢሊዮን ዶላር ክበፅሕ እምነት ከምዘለዎም ንፕረዚደንት ቺ ገሊፆምሎም ኣለው።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንፈለማ ግዜ ምስ መራሒ ዓለም ገፅ ንገፅ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ቺ እቲ ርክብ ንምሕዝነቶም ዝበለፀ ሓይሊ ዝህብ እዩ ክብሉ ንፑቲን ከምዝገለፅሎም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና ፀብፂበን።

ሩሲያን ቻይናን ስሩዕ ጥምረት እተዘይሃለወን እውን ንናይ ኣመሪካ ተፅዕኖ ንምምካት ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዝበለፀ ተቐራሪበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG