ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ ራስያ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ንምቁራጽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀሙ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቖም


ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ዝካየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሻብዓይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘሉ ፡ ትማሊ ኣጋ ምሸት ፕረዚደንት ትራምፕ ንዝካየዱ ዘለው ራስያ ዝተሓወሶም ተቓውሞ ንምቁራጽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀሙ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ሮዝ ጋርደን ዝጽዋዕ መናፈሻ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኖም ንመላእ ኣሜሪካውያን ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ነቲ ብሰልፈኛታት ዝርአ ራስያ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ወተሃደራት ኣመሪካ ኣዋፊሮም ብቑልጡፍ ከቋርጽዎ ከምዝኽእሉ’ዮም ሓቢሮም።

እቲ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተጠቒምካ ራስያ ንዝተሓወሶ ጎነጻዊ ኣድማ ናይ ምቁጽጻር ስልጣን ኣቐዲሙ ኣብ ንመራሕቲ ኣሜሪካ ብኣዋጅ ዝተዋህበ ኮይኑ፤ መራሕቲ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ግዜ ነዚ ብ “ኢንሳረክሽን ኣክት” ማለት ኣዋጅ ምልዕዓል ዝፍለጥ ስልጣን ተጠቒሞም ህዝባዊ ምልዕዓል ብፍላይ ድማ ራስያን ሕጊ ኣልቦነትን ኣብ ዝሰፈረሉ እዋን ንቡር ኣካይዳ ንኽምለስ መዝነት ዝህብ ምዃኑ’ዩ ይግለጽ። እዚ ኣዋጅ'ዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ተተግባሪ ዝኾነሉ ኣብ 1991 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኮይኑ: ሽዑ ብተመሳሳሊ ሮድኒ ኪንግ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብጸዓዱ ፖሊስ ድሕሪ ምቕጥቃጡ ዝሰዓበ መጠነ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምልዕዓሉ ተተግቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ; ቀንዲ መቀናቕንቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ክኾኑ ትጽቢት ተነቢርዎም ዘለውን ኣብ ምምሕዳር ኦባማ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኖም ዘገልገሉ ጆ ባይደን ሓዊስካ ፤ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ኣድማ ንምቁራጽ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምትእትታው ዝቐረበ መጠንቀቕታ ከምዘተሓሳሰቦም ይገልጹ ኣለው።

ጆ ባይደን ኣብቲ ንመግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኹንን ናይ ትዊተር መልእኽቶም ፕረዚደንት ትራምፕ “ሰራዊት ኣሜሪካ ኣንጻር ህዝቢ ኣሜሪካ የበግስ ኣሎ” ክብሉ ተሪር ወቐሳ ፈንዮም ኣለው።

ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣዳም ስሚዝ ድማ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነቲ ሰራዊት ኣሜሪካ ናይ ምጥቃም ዘሕለፍዎ መጠንቀቕታ መሪሕነቶም ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ግዜ ንህዝቢ ኣሜሪካ መሪሑ ናብ ሓድነት ከምጽእ ከምዘይክእል መርኣያ እዩ ክብሉ ገሊጾሞ ኣለው።

ከም ሓበረታ ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጂ ሓደ ቦጦለኒ ወተሃደራዊ ፖሊስ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክምደብ ኣዚዙ`ሎ። ኣብዛ ዋና-ከተማ ዘለዉ 1,200 ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ዑቑር ሓይሊ ድማ ኣብ ተጠንቀቕ ክኾኑ ተኣዚዞም ኣለዉ። ሓሙሽተ ክፍለ-ግዝኣታት ድማ ካብ 600 ክሳብ 800 ዝኾኑ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብዚ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ይሰዳ`ለዋ ።

​ብተወሳኺ ትማሊ ምሸት ሓንቲ ብላክ ሃውክ ትብሃል ሄሊኮፕተር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ፥ ነቶም ኣድመኛታት ንምብታን ትሕት ኢላ ብምዝባይ -ንመሬት ኣዶሪና- ከምዝበታተኑ ጌራ- ከም ምልክት መርኣያ ሓይሊ ድማ ክሳብ ናብ ኣግራብ ትሕት ኢላ`ውን ኣቑጽልቲ ቆራሪጻ።

ስጉምቲ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመትን ፈረቓን ናይ ስልጣን ዘመኑ ዝለዓለ ምልኪ ስልጣን ዘርኣየሉ ተባሂሉ ተወሲዱ`ሎ። ትራምፕ ነቲ ብሰንኪ ሞት ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተወልዐ ናዕቢ ንምህዳእ፡ ናይ ምጽንናዕ መሪሕነት ኣይወሰደን ተባሂሉ`ውን ብነቐፍቱ ይግለጽ`ሎ።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ትማልን ሎምን ካብ ሰዓት 7 ናይ ምሸት ዝጅምር ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ`ሎ።

XS
SM
MD
LG