ዋሽንግተን —
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ኣብ ከተማ ለንደን ዘካየድዎ ዘለው ዑደት ምስ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሪሳ ሜይ ተራኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዓንቀፍቀፍ ዝተሓወሶ ዲፕሎማሲ ኣርእዮም ኣለው።
ኣብ መንበሪ እተን ቀዳመይቲ ሚንስትር ድሕሪ ዝተገብረ ሓባራዊ ልዝባት ክልቲኦም መራሕቲ ካብቲ መንበሪኣን ጽርግያ ሰጊሮም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢን ቤት ጽሕፈት ኮመንዌልዝን ብሓባር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ብሪጣንያ ዝተገብረ “ፍሉይን ዝበለጸን” ዝበልዎ ውዕል ውፍይቲ’ያ ኢሎም።