ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፕረዚደንት ትራምፕ ኢራን ንማእከላይ ምብራቅን ንሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካን ከም ሓንቲ ዓባይ ስግኣት ዝርእያ ሃገር’ያ” ማይክ ፖምፐይ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔይ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ፐርሽያ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቅ ምምሕዳር ትራምፕ ኑክሌር ኢራን ከብቕዕ ዘካይዶ ጻዕርታት ሓቢሩ።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፐምፔይ ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ፐርሽያ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ኢራን ብልዑል ንከታተላ ሃገር’ያ ኢሉ።

“ፕረዚደንት ንማእከላይ ምብራቅን ንሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካን ከም ሓንቲ ዓባይ ስግኣት ዝርእያ ሃገር’ያ። ከምኡ’ውን ህዝቢ ኢራን ዘለዎ ኩነታትን ኣሜሪካ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኹነታት’ዩ ዝርእይ ዘሎ።”

ማይክ ፖምፐይ ኣተሓሒዙ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝኣተዎ ውዕል ኑክሌር ኣገዳሲ ጉዳይ ዝተርፎ ስለዝኾነ እዚ ሓዲሽ እማመ ንዕኡ ዝርእይ’ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG