ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ብህቦብላ ፍሎረንስ ዝተጠቕዓት ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ካሮላይና በጺሖም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሄረክን ፍሎረንስ ዘውረዶ ዕንወትን ይካይዱ ዘለው ፃዕርታትን ዝወሃብን ሓገዝን ንምዕዛብ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ካሮላይና ኣትዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ቸሪ ፖይንት ኣብ ዝርከብ መዕረፎ ነፈርቲ ማሪን ኮርፕስ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን "ዝተኻየደ ቅድመ ምድላው ክትኣምኖ ካብ እትኽእል ንላዕሊ እዩ’’ ኢሎም ።

ንግዳያት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ድማ ‘’ኣሜሪካ ምሳኹም እያ ሓዚና፤ክሳብ መወዳእታ ምሳኹም ኣለና’’ኢሎም ።

ከቢድ ህቦብላዊ ንፋስ ፍሎረንስ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ብውሑዱ 35 ሰባት ከምዝሞቱን ምሉእ ከተማታት ብውሕጅን ጭቃን ዝተውሓጣ ከምዘለዋን ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG