ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ብዓልቲ ቤቶም ቀዳማዊት እመቤት መላንያ ትራምፕን ብኮቪድ 19 ምትሓዞም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣፍሊጦም።ክልቲኦም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘለው ናይ ዋይት ሃውስ ሓኪም ገሊፆም ኣለው።
ምስዚ ብዝተኣሳሰረ መራሕቲ ዓለምን ፍሉጣን ሰባትን ንትራምፕን ስድርኦምን ሰናይ ትምኒቶም ይገልፁ ኣለው።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ንትራምፕን ብዓልቲ ቤቶምን ምሉእን ቅልጡፍን ሕውየት ተመኒዮም።ናይ ጀርመን መራሒት ኣንጌላ መርከል፣ ናይ ሩሲያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፣ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፣ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን፣ናይ ኣፍጋኒስታን ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒን ካልኦትን ንፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳማዊት እመቤት መላንያ ትራምፕን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም ኣለው።