ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ ልዑል ክእለት ዘለዎም ስደተኛታትን እምበር ተዓወቲ ዲቪ ሎተሪ ከምዘይደልዩ ይገልጹ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ብሓገዝ ስድራቤት ዝርከብ ቪዛ ናብ ነታ ሃገር ዝጠቕም ቪዛ ማእከል ዝገበረ መስርሕ ምሃብ ቪዛ ንምስግጋር ሓድሽ ናይ ኢምግሬሽን ውጥን ኣርቂቖም ኣለው። እዚ ሓድሽ ውጥን ነቲ ብዲቪ ሎተሪ ዝፍለጥ ቪዛ ደው ክብል ዝእዝዝ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። አባላት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ግን እቲ ውጥን ንኩነታት’ቶም ብህጻንነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ብ”ሓለምቲ” ዝፍለጡ 700,000 ሰባት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ክብሉ ይነጽግዎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሃገራዊ ቦርድ ሳይንስ ኣሜሪካ 30 ሚእታዊት ካብ ብደረጃ ኮሌጅ ተመሪቖም ኣብ ዓውድታት ሳይንስን ምህንድስናን ዝስርሑ ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ እዮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ከምዝደልዩ ይገልጹ ኣለው።

“እዚ ሓድሽ ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ ንክፍሊት ኣሜሪካ ዝሕልው፡ ንክብርታት ኣሜሪካ ዘዕብይ ንዝበለጹን ምሁራት ድማ ካብ ዙርያ ዓለም ዝስህብ ክከውን’ዩ”ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 1.1 ሚልዮን ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ትህብ።

መብዛሕትኦም እዚ መንበሪ ፍቓድ ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ኣሜሪካ ዝያዳ ኣባላት ስድራቤታት ዘለውዎም እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ነዚ ብሓገዝ አባላት ስድራቤት ዝወሃብ ቪዛ ብምጉዳል ነታ ሃገር ዝጠቕሙ ዜጋታት ዝውሃብ ቪዛ ክውስኽ ከምዝደልዩ ይሕብሩ ኣለው።

ድልየት ፕረዚደንት ትራምፕ ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ብፍርቂ ክጎድል፡ ብዲቪ ሎተሪ ዝፍለጥ ቪዛ ድማ ምሉእ ንምሉእ ደው ክብል እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ሓድሽ ውጥን “ ንኣሜሪካ ዝሃንጽ ቪዛ” እዩ ክብሉ ብምጽዋእ እቲ ቪዛ ድማ ንዕድመ፡ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዕድል ስራሕ፡ ተኽእሎ ወፍሪን ኣብ ታሪኽን መሪሕነት ኣሜሪካ ዝምልከት ዝወሃብ ፈተና መሕለፊ ነጥቢ ክረኽብ ተኽእሎ ንዘለዎም ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቃልል ምኳኑ ገሊጾም ኣለው።

ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካን ዝኾነ ናንሲ ፖለሲ ብዛዕባ’ዚ ውጥን ቪዛ ፕረዚደንት ትራሞፕ ከምዚ ኢለን።

“ስድራቤታት ጠቕሚ የብለንን ድዮም ዝብሉ ዘለው? እቶም ኣብ መላእ ታሪኽ ኣሜሪካ ናብዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት ናይ ኢንጂነሪንግ ዲግሪ ስለዘይብሎም ጠቕሚ የብሎምን ድዮም ዝብሉ ዘለው?” ኢለን።

አባላት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ብ”ሓለምቲ” ዝፍለጡ ብህጻንነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ 700,000 ሰባት ኾነ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለው ሰባት ኣብ ግምት ዝእተወ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ውጥን ይነጽጉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብተወሳኺ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንደቕ ክህነጽ ጎስጓሶም ቀጺሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG