ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገራት ዓለም ንኢራን ከግልሉ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ሎሚ ሶሉስ ኣብ መበል 73 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መራሕቲ ኢራን ዕግርግር፡ሞትን ዕንወትን ኣብ ዓለም ይዘርኡ ኣለው ስለዚ ነዚ መጥቓዕቲ ደው እንተዘየብሎም ሃገራት ዓለም ንኢራን ከግልልዋ ይግባእ” ኢሎም።

“ መራሕቲ ኢራን ንጎረባብቲ ሃገራትን ዶባተንን ሉኣላዊ መሰል ሃገራት ኣየኽብሩን። ብኣንጻሩ ንጸጋታት’ታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ ንምኽዕባትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኪንኡን ዕግርግር ንምዝርጋሕን ይጥቀምሉ ኣለው።”

ፕረዚደንት ትራምፕ ብተወሳኺ ነቲ ናይ ኢራን ኣጽዋር ኑክሌር ደው ንምባል ኣብ 2015 ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ካብ ዝተበጽሓ ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ብምውጽኦም ንመራሕቲ ኢራን ውድቐት ከምዝኾነ ብምግላጽ ብሰንኪ’ዚ ኣብ የመንን ሶርያን ዕግርግር ግብረሽበራን ንምፍጣር ንወታሃደራዊ ሓይሊ’ታ ሃገር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ባጀት ብ40 ሚእታዊት ክብል ምባሎም ሓቢሮም።

ብምቕጻል ፕረዚደንት ትራምፕ ምምሕዳሮም ኣብ ስምምዕ ኑክልያር ኢራን 2015 ተላዒሎም ዝነበሩ እገዳታት ዳግማይ ምንባር ከምዝጅምርን ተወሳኺ እገዳታት’ውን ካብ ሕዳር 5 ጀሚሮም ከምዝንበሩ ገሊጾም።

ይኹን ደአ እምበር ሰብ ሞያ እዚ መርገጺ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንኣሜሪካ ካብ አባላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክንጽላ ተኽእሎ ኣሎ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ምስ ሰሜን ኮርያ ጀሚሮሞ ዘለው ዝምድና ኣብ ውሽመጥ ኮርያ ዝነበረ ውጥረት ክጎድል ኣበርክቶ ከምዝገበረ ገሊጾም።

“ኣብቲ ውሽመጥ ዝርአዩ ዝነበሩ ሚሳይላትን ሮኬታትን ከምኡ’ውን ፈተነ ኣጽዋር ኑክሌር ደው ኢሉ’ዩ። ገለ ወታሃደራዊ መሳለጥያታት’ውን ተበቲኑ’ዩ።”

ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ገና ዘተረፈ ብዙሕ ስራሕ ከምዘሎ ዝገለጹ ፕረዚደንት ትራምፕ ሰሜን ኮርያ ምሉእ ንምሉእ ኑክልየር ምፍራይ ደው ክሳብ ተብል ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዝተነብረ እገዳ ክጸንሕ’ዩ ኢሎም።

ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ንዋዕላ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።

ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መደረኦም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንብዝሒ ዘለዎም ዓለምለኸ ትካላት ትህቦ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ኣቢሎም፡ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስን ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ከምኡ’ውን ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ምውጽኦም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገራት ዓለም ንኢራን ከግልሉ ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:49 0:00

XS
SM
MD
LG