ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ንፓርላማ'ታ ሃገር በቲኖም


ፕረዚደንት ቱኒዝያ ከይስ ሰዒድ -ፋይል
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ከይስ ሰዒድ -ፋይል

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ኣብ ከይዲ ዘሎ ዲሞክራሲ እታ ሃገር ኣብ ዘይደልደለሉ ሕጂ እዋን ትማሊ ረቡዕ ንፓርላማ'ታ ሃገር በቲኖም።

ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረኦም ነዚ ውሳነ ዝገለጹ ብተቃዋሚ እስላማዊ ሰልፊ ዝምርሑ ኣባላት ፓርላማ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ብቶም ፕረዚደንት ዝተወሰደ ሓፈሻዊ መዝነት ንምሓዝ ዝሓለነ ስጉምቲ ንምስዓር ብማንዛ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም እዩ።

ፕረዚደንት ከይስ "ብመሰረት ዓንቀጽ 72 ሕገ-መንግስቲ ንሃገርን ሕገ መንግስትን ንምድሓን ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ፓርላማ ንኽብተን እእዝዝ እለኹ" ኢሎም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ኸተማ'ታ ሃገር ቱኒስ ኣንጻር መንግስቲ ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካይዶም'ዮም። እቲ ተቃውሞ ብመንግስቲ ተገይሩ ንዝነበረ ቀይድታት ኮቪድ19 ብዘይምእዛዝ ንመበል 11 ዓመት ምንቅስቃስ ሰውራ ቱኒዝያ ንምዝካር ዝዓለመ እዩ ኔሩ።

እቶም ፕረዚደንት ዝመጽእ 25 ሓምለ ዝተሓስበ ለውጢ ፖለቲካ ድምጸ ውሳነ ክወሃቦን 17 ታሕሳስ ኸኣ ሓድሽ ሕጊ ምርጫ ንምውጻእን ቃል ኣትዮም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG