ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ቅልውላው ንዘስዓበ መደረኦም ይከላኸሉ


ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰዒድ
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰዒድ

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰዒድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝሃቡዎ መደረ ስዒቡ ድሕሪ ዝመጸ ከቢድ ማዕበል ጸረ-ስደተኛታት ኣፍሪቃ፡ “ዘይትርጕሙ’ዩ ተዋሂቡ፡” ክብሉ ተኸላኺሎም። ፕረዚደንት ሰዒድ ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ጊኒ-ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ’ዮም ነቶም “ኣሕዋትና” ዝበሉዎም ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ጽልኢ ከም ዘይብሎም ገሊጾም። ፕረዚደንት ሰዒድ ነቶም ኣቦ-መንበር ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ዘለዉ ፕረዚደንት ኢምባሎ፡ “ኣነ ንባዕለይ ኵሩዕ ኣፍሪቃዊ’የ፡” ድሕሪ ምባሎም፡ እቲ ኣቐዲሞም ዝሃቡዎ ቃል ግን ግጉይ ኣተርጓጕማን ርድኢትን ከም ዝነበሮ ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ፕረዚደንት ሰዒድ “እቶም ነቲ ኣንደበት ካብ መስመሩ ወጻኢ ዝተርጐሙ ንቱኒዝያ ክሃስዩ ዝዓለሙ’ዮም፡” ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ “ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ገበናት ተዋፊሮም ስለ ዘለዉ፡ ንምግታኦም ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውሰደ የድሊ፡” ኢሎም ነይሮም።

ንመደረ ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ ስዒቡ፡ እቶም ብፖለቲካዊን ቍጠባዊ ሕሰም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር ኣንጻር ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ስጕምቲ ምውሳዶም ይዝከር። ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንመደረ እቶም ፕረዚደንት “ዓሌታዊ” ኢሉ ክዅንኖ እንከሎ፡ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድማ ዜጋታተን ካብ ቱኒዝያ ኣውጺአን’የን።

ኣብታ ኣስታት 12 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ቱኒዝያ፡ ኣስታት 12-ሽሕ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ የመልክት።

XS
SM
MD
LG