ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ሃገራዊ ረፈረንዶም ከካይዱ ምዃኖም የመልክቱ


ፕረዚደንት ቱኒዚያ ከይስ ሰዒድ
ፕረዚደንት ቱኒዚያ ከይስ ሰዒድ

ፕረዚደንት ቱኒዚያ ከይስ ሰዒድ፡ ዕድል እታ ሃገር ንምውሳን ሃገራዊ ረፈረንዶም ክካይድ ከም ዝወሰኑ ብሰኑይ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ሰዒድ ነዚ ዝጠቐሱ ድሕሪ ዝወሰዱዎ በይንኣዊ ስጕምቲ እታ ሃገር ብፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ክትሳቐ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከተቑጽር ኣብ ዝቕረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቶም ፕረዚደንት ፓርላማ እታ ሃገር ክሳብ 17 ታሕሳስ ድስኩል ክጸንሕን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ንህዝቢ ዘሳትፍ መሕተት ኣብ ምድላው ከም ዘለዉን ጠቒሶም።

ከም መግለጺ እቶም ፕረዚደንት ድሕሪኡ ዝግበር ምርጫ ብውጽኢት እቲ ረፈረንዱም ክውሰን’ዩ ።

XS
SM
MD
LG