ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ብምፍጻማ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ባንክታትን ሰብ ሃብቲ ሩስያን ተወሰኽቲ እገዳታት ምንባራ ከምኡ'ውን ተወሰኽቲ ወታሃደራት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ምልኣኻን ኣፍሊጦም።
ንሶም ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሃገሮምን መሻርክታን ሩስያ ኣብ ዓለምለኸ ቁጠባ ዘለዋ ተሳትፎ ንምግታእን ኣብ ወታሃደራዊ ዓቕሚ'ታ ሃገር ንምዕባይ ዝውዕል ገንዘብ ንምጉዳል ዘኽእል'ዩ ዝበልዎ ስጉምቲታት ዘርዚሮም።
እዞም ስጉምቲታት ኣብ ቁጠባ ኣመሪካ ንዝተወሰነ እዋን ምንሃር ዋጋታት ከስዕቡ ምዃኖም ዝገለጹ ፕረዚደንት ባይደን "እዚ ግን ንመርገጺ ሃገርና ሓሊና ንምጽናሕ ዝኽፈል ዋጋ'ዩ" ኢሎም።
ንሶም ወሲኾም "ኣመሪካ ንህውከተኛታት ትገጥሞም: ንናጽነት ድማ ደው ትብል ንሕና እዚ ማለት ኢና።" ኢሎምም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብመሰረት ትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ወታሃደራት ናብ ኣውሮጳ ከምዝኸዱ'ውን ሓቢሩ'ሎ።