ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንኢትዮጵያ፡ ማሊን ጊኒን ካብ ሓገዝ ኣጎዋ ሰሪዞም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ሰሉስ ናብ ባይቶ ሃገሮም ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ንሰለስተ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ማለት ኢትዮጵያ፡ ማሊን ጊኒን ካብ “ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ” (ኣጎዋ) ከም ዝሰረዙ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽሑፎም እዘን ሰለስተ ሃገራት ብዝገበረኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ስምምዕ ዘፍርስ ብምዃኑ ካብቲ ዕድላት ክኣልዩዎን ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ጽሑፍ ፕረዚደንት ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ ውዕል ክትስረዝ ዘገደዳ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን እንከሎ፣ ንጊኒ ድማ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምስጋር ዝተራእየ ጻዕሪን ተበግሶን ስለ ዘየለ፡ ማሊ’ውን ብተመሳሳሊ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ህዝባዊ መንግስቲን ንምስግጋር ብዛዕባ ዘሎ ሃጓፍ’ዩ፡።

እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም፡ መንግስቶም ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ንሰለማዊ ስግግርን ዝሓሸ ድሕነትን፡ ጽምዶ ክገብር ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ዛጊት ውጽኢት ከም ዘይተረኽቦ ኣመልኪቶም። “ስለዚ” ከኣ ይብሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ካብ ትማሊ 1 ሕዳር: 2021 ኣትሒዞም ንሰለስቲአን ሃገራት ካብቲ ረባሕቲ እቲ ሓገዝ ምዃን ከም ዝሰረዙወን፣ ምናልባት ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ምስ ዘርእያ ድማ ዳግም ክጽንበራ ዝኽእላ እንተዀይነን ከጽንዑ ምዃኖምን ኣፍሊጦም።


XS
SM
MD
LG