ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንምስፋሕ ንተኽእሎታት ምርጫ ይደፍኡ 


ሓያሎ ዓቃባውያን ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ንምጽቃጥን ምዕፋንን ምርጫ ዘኽእል ሕግታት የሕልፋሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ግን ኣንጻሩ ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

“ምርጫ እምነ-ኵርናዕ ኣመሪካዊ ክብሪ'ዩ"፡ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን “በዚ መሰረት’ዚ ናይ ምብሕጓግ ተርእዮታት የጋጥም ስለ ዘሎ ንምክልኻሉ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ የድሊ” ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ስክፍታኦም ዘካፈሉ ድሕሪ ምርጫ 2020 ዘጋጠመ ተርእዮታትን ደጋጊምካ ድምጺ ናይ ምዕፋን ሕጋታትን ምርኵስ ብምግባር’ዮም።

እቶም ፕረዚደንት ብሰሉስ ኣብ ኣትላንት ኣብ ዝገብሩዎ መደረ፤ “ደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ዕፈና፣ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጽላሎት፣ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ዲና ክንመርጽ ወይስ ኣንጻሩ፧ ኣበይ ከም እንቐውም ርዱእ ይመስለኒ። ደጊምና ኣይክንዕጸፍን ኢና። ቃለይ’ውን ኣይከዕብርን’የ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይዅን ወጻኢ ንደሞክራሲ ክሕሉን ንምርጫ ከኽብርን’የ። እቲ ሕቶ ዘሎ ግን ትካላት ኣመሪካ’ኸ ኣብዚ ጉዳይ መርገጺአን እንታይ ይመስል፧ ዝብል’ዩ፡” ኢሎም።

ብመሰረት ብዩኒቨርስቲ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 19 ግዝኣታት ኣመሪካ ንመሰል ምርጫ ዝጸቅጥ ሕጊ የሕሊፈን።

ፕረዚደንት ባይደን ክገብሩዎ ወጢኖም ዘለዉ እምበኣር፡ ናይ 1965 ሕገ-ምርጫ ንምቕያር’ዩ። ከም ምጕት እቶም ፕረዚደንት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ተን ንምርጫ ክዕፍና፡ ከደናጕያን ክሓላልኻን ዝደልያ ግዝኣታት ጸቕጢ ክገብርን ንዘሕለፍኦ ሕጊ ክቕይር ከኽእልን’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን መደረ ዘስምዑላ ግዝኣት ጆርጂያ፡ ሓንቲ ካብተን ዝቐደሙ ፕረዚደንት ትራምፕ ስርቂ ምርጫ ተኻዪዱላ ኢሎም ዝምጉትዋ ዝነበሩ’ዮም። ክሲ ትራምፕ ግን እኹል ጭብጢ ኣይተርኽቦን።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘረባኦም፡ ንተርእዮ ጥሪ 2021 ብምዝካር፡ እቲ ጉዳይ ግዜ ዘይህብን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ዘድልዮን’ዩ ኢሎም።

ተንተንቲ ግን እቲ ብፕረዚደንት ባይደን ዝእመም ዘሎ ሓሳባት ንኽትግበር ግዜ ዝሓትት ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። ካብ ትካል American Enterprise Institute ዝዀነ ጆን ፎርቴር እቲ እማመ ንሓያሎ ሕጋጋት ግዝኣታት ዝትንክፍ ብምዃኑ ቀሊል ለውጢ ከም ዘይኰነ ይጠቅስ። እቲ ተንታኒ ከም ዝገልጾ፡ እቲ ሓሳብ ብወገን ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ምሉእ ድጋፍ ደኣ ይሃሉዎ እምበር፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዘይድግፎ ብምዃኑ ዓቢ ማሕዕንቖ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ሓያሎ ኣባላት ሪፓብሊካንን ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕን፡ ድምጺ ንምጕዕጻጽ ዘይኰነስ ስርቂ ድምጺ ከየጓንፍ ከም ዝከላኸሉ ይምጉቱ።

ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣመሪካ መራሒ ውሑዳን ዝዀኑ ሚች ማኮነል ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዚ ይብሉ፤ “መራሒ ላዕለዋይ ብዙሓን ንሕጊ’ዚ ቤት ክቕይር ኣበርቲዑ ይጽዕር ኣሎ። ከም ምጉቱ፡ ሓገግቲ ኣካል ብዙሓት ግዝኣት ድምጺ ምርጫ ንምዕንቃፍ ኣበርቲዐን ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ዩ። እዚ ግን ኣብ ዝዀነ ክፋል ናይ ኣመሪካ የጋጥም የለን፡” ኢሎም።

ተጣበቕቲ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ርኡይ ኣድልዎ ከም ዘሎ ይኣምኑ። ካብ ፕረዚደንት ባይደን ከኣ ቃል ዘይኰነስ ተግባር ኢና ንጽበ ይብሉ።

እቶም ድምጺ ካብ ምሃብ ዝተዓናቐፉ ዘለዉ ወገናት፡ ኣካለ-ስንኵላን፡ ጸለምቲ፡ ተወለድቲ ላቲን፡ ደቀባት ኣመሪካን ኤስያዊ መበቆል ዘለዎምን ምዃኖም ይዝረብ።

መራሒ ኣብዝሓ ላዕለዋይ ባይቶ ዝዀኑ ጃክ ሹመር፡ ነቲ ንድፊ፡ ድምጺ ክወሃቦ፡ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሰነት ከቕርቡዎ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG