ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንሕጊ ምንጻል ጥንሲ ዝምለሰሉ መገዲ የማዕዱ


ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ዝመጽእ መንፈቓዊ ምርጫ እንተ ስዒሮም፡ ፕረዚደንት ባይደን ዝገብራ ቀዳመይቲ ውሳነ ንኣብ ቀረባ ግዜ ዝተለወጠ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ናብቲ ዝነበሮ ምምላሱ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

መደብ ፕረዚደንት ባይደን ዝተገልጸ ንመንፈቓዊ ምርጫ ወርሒ ሕዳር ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኡ፡ ሰነትን ተወካሎ ህዝቢን ብሰልፊ ደሞክራት ምስ ዝዕብለል፡ ነቲ ሕጊ ንምቕያሩ ክሰርሕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ንኣባላት እቲ ሰልፊ ድምጾም ክህቡ ጸዊዑ`ሎ።

ነቲ 'ብሮ ኣንጻር ዋደ' ተሰምዩ ን50 ዓመታት ሕጊ ኣመሪካ ኰይኑ ዝጸንሐ’ሞ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተለወጠ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ድማ ድሕሪ ምዕዋት እቲ ምርጫ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ክገብሮ ምዃኑ ፕረዚደንት ባይደን ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ንሕጊ ምንጻል ጥንሲ ከርግኡ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም እኳ እንተዀኑ፡ ብዋሕዲ ድምጺን ፊልባስተር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምጕንዳብ ድምጺ ምሃብን ግን ኣይሰለጦምን።

ከም ኣገላልጻ ሓያሎ ተንተንቲ፡ ኣብ ቀረባ ዝግበር መንፈቓዊ ምርጫ ነቲ ሕጊ ክልውጦ ዘለዎ ተኽእሎ ውሑድ’ዩ።

Recommended

XS
SM
MD
LG