ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ነጻ ማስክን መሳርሒ መርመራን ንምዝርጋሕ ቃል ይኣትው


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ብናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ፈልቂ ኦሚክሮን ንምክልኻል ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነጻ ማስክ ማለት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ሓደ ቢልዮን መሳርሒ ኣብ ገዛ ክግበር ዘኽእል ምርመራ እቲ ቫይረስ ብምዝርጋሕ ነቲ ኣንጻር'ቲ ለበዳ ዝካየድ ቃልሲ ክብ ከምዘብልዎ ኣፍሊጦም።

ተሓለቅቲ ምዕሩይ ኣገልግሎት ጥዕና ግን ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ናውቲ ምውሓዝ ነቲ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኣይብድሆን'ዩ፤ እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም'ዉን ሓገዝ ይደሊ'ዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG