ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን መዘንኦም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቱኒን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ማንዛ ርክብ፡ ሞስኮ ንዩክሬን ክትወርር እንተ ፈቲና ብመንገዲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ተሪር ቍጠባዊ ማዕቀብ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ኣብቲ ዕጹው ርክብ፡ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ናይ ኣካል ምይይጥ ክልተ መራሕቲ ሃገራት’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንፑቲን ሰራዊቶም ንዩክሬን ገጾም ካብ ምንቅስቓስ ክቝጠቡ ኣጠንቂቖም። ሩስያ ኣስታት 10 ሽሕ ዝበጽሑ ሰራዊት ኣብ ዶባት ዩክሬን ኣጸጊዓ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ሩስያ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እንተ ገይራ፡ ኣመሪካ፡ ብመገዲ መሓዙታ ሃገራት ኤውሮጳን ኔቶን ኣቢላ ንተሪር ቍጠባዊ ማዕቀብ ክትደፍእ’ያ።
ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነታ ደጋጊማ ኣባልነት ኔቶ እትሓትት ዘላ ዩክሬን ናብቲ ኪዳን ከም ዘይትጽንበር ፕረዚደንት ባይደን ከውሕሰሎም ሓቲቶም።
ርክብ ባይደንን ፑቲንን ድሕሪ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ዝተኻየደ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ባይደን ቀንዲ ዛዕባኦም’ውን ጉዳይ ታይዋን’ዩ ነይሩ።
ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ሩስያ ንዩክሬን ክትወርር ኣመሪካ ብስቕታ እንተ ተዓዚባ፡ ጸኒሓ ቻይና’ውን ብተመሳሳሊ ንታይዋን ክትጎብጣ ምዃና የእንፍቱ።